ፍርቂ ሚልዮን ዝኸውን ሚድያ ንዓኹም ይጽበ’ሎ

ብናይ PBZ-ዓመታዊ ናይ ዓሚል ምዝገባ ናብ ዝተፈላለዩ ዓይነት ሚድያታት ~ ዝጭበጥ ይኹን ብዲጂታል መእተዊ ኽትረኽቡ ትኽእሉ ኢኹም። አብ ልዕል’ዚ እውን አብቲ ቤተንባብ ናይ PBZ ናይ ንባብ~ሪፖርት ምስ መጋዚናትን ጋዜጣታትን፣ ናይ ስራሕ~ቦታታት፣ ናይ ኢንተርኔት ስቴሽናት፣ ምቹእ ናይ መንበቢ ኩርናዓት ኾምኡውን ኻልእ ብዙሕ ነገራት ኢዩ ዝጽበየኩም።

ዝኾነ ልዕሊ 16 ዓመት ዕድመ ዘለዎ፣ ብቑዕ ናይ PBZ-ዓመታዊ ናይ ዓሚል ምዝገባ ዘለዎ ግለሰብ፣ ማሕበርተኛ ናይ PBZ Pestalozzi-Bibliothek Zürich ኢዩ። እቲ ዘይክፈሎ ናይ ዓሚል ምዝገባ ናይ ቆልዑ’ን መንእሰያት’ን ከም ናይ ዓመታዊ~ካርድ አይቁጸርን’ዩ።

ናይ PBZ ናይ ዓሚል ምዝገባ

ብመሰረቱ ብዝኾነ ዓይነት ናይ ዓሚል ምዝገባ፣ ክሳዕ 50 ዝኸውን ሚድያታት ብሐንሳብ ምልቃሕ ይካአል’ዩ። አብ’ልዕል’ዚ ድማ ዲጂታል~ሚድያ እውን ምጥቃም ይካአል’ዩ።

PBZ Light
በዚ ናይ ዓሚል ምዝገባ ዝጭበጥ ኾምኡውን ዲጂታል~ሚድያ ምልቃሕ ይካአል’ዩ።

ዋጋ፡ CHF 60 / ዓመት

PBZ Standard
በዚ ናይ ዓሚል ምዝገባ ዝጭበጥ ኾምኡውን ዲጂታል~ሚድያ ምልቃሕ ይካአል’ዩ ብተወሳኺ ድማ፣ ነቲ ኽፉት~ቤተንባብ ኽትጥቀሙሉ ትኽእሉ ኢኹም።

ዋጋ፡ CHF 80 / ዓመት

PBZ Premium
በዚ ናይ ዓሚል ምዝገባ ዝጭበጥ ኾምኡውን ዲጂታል~ሚድያ ምልቃሕ ይካአል’ዩ ብተወሳኺ ድማ፣ ነቲ ኽፉት~ቤተንባብ ኽትጥቀሙሉ ትኽእሉ ኢኹም። አብ ልዕሊኡ ድማ፣ ናይ መትሐዚ/መቐመጢ ዋጋ ኾምኡውን ነታ ናይ መጀመሪያ መሰማዕታ ናይ’ታ ዝተለቃሕኹማ አርእስቲ፣ ምንም አይክፈላን’ዩ።

ዋጋ፡ CHF 160 / ዓመት

ክሳዕ 18 ዓመት ዝዕድሚኦም ቆልዑ መንእሰያት
ክሳዕ 18 ዓመት ዝዕድሚኦም ቆልዑ’ን መንእሰያት’ን ካብ ክፍሊት ነጻ ዝኾነ ናይ ዓሚል ምዝገባ ናይ ቤተንባብ ምውሳድ ይኽእሉ’ዮም። እዚ ድማ፣ ነቲ ናይ PBZ ናይ ሚዲያ ቐረባት ንምጥቃም ብተወሳኺ ድማ ካብ 16 ዓመት ንላዕሊ ንዝኾኑ ሰባት ነቲ ኽፉት ቤተንባብ ንምጥቃም መሰል ዝህብ ኢዩ። ቆልዑ’ን መንእሰያት’ን ነቲ ምስ ዕድሚኦም ዝኸይድ ሚድያታት ኽልቁሑ ይኽእሉ’ዮም።

ዝተቐነሰ ናይ ዓሚል ምዝገባ

አብ ገዝኦም ናይ ዓሚል ምዝገባ ዘለዎ ሐደ ግለሰብ ንዘለዎም ሰባት፣ ካብ’ቲ ዋጋ ናይ’ታ መጀመሪያ ናይ ዓሚል
ምዝገባ 25% ይቕንስ

ተመሃሮ ዪኒቨርሲቲ፣ ተመሃሮ’ን ተለማመድት’ን (ዕድሚኦም ካብ 18 ክሳዕ 25) ኾምኡውን ስራሕ~አልቦ’ን ተቐበልቲ ሐገዝ ናይ IV:
PBZ Standard ኾምኡውን PBZ Light ንዘለዎም፣ 50% ይቕንስ

KulturLegi Ausweis F, N, S ወይድማ Sans-Papiers ዝሐዙ፡
ክፍሊት ዘይብሉ ናይ ዓሚል ምዝገባ ናይ PBZ Standard

ካርድ ናይ 3 ወርሒ
ከም መፈተኒ ናይ ዓሚል ምዝገባ ወይድማ ግዝያዊ ዝኾነ ምጥቃም ናይ ቤተንባብ።

ዋጋ፡ 33% ናይ’ቲ ተመሪጹ ዘሎ ናይ ዓሚል ምዝገባ

ኻልእ ተወሳኺ ክፍሊታት፡

  • ሒዝካዮ ዝኽየድ መጽሐፍቲ            CHF 3 / ጽሑፍ
  • ናይ ካርድ መተካእታ            CHF 5
  • መትሐዚ/ሪዘርቬሽን                       CHF 5 / ጽሑፍ
  • ምሉእ ዘይኮነ ምምላስ (ጽሑፋዊ ሐበሬታ) CHF 3
  • ንጽል ልቓሕ (ክፉት ቤተንባብ’ን ኤ~ሚዲያ’ን ዘይኮነ) CHF 5 / ጽሑፍ
  • ሚድያ ምስ’ዝጠፍእ ናይ መስርሒ ክፍሊት CHF 15

ናይ መጠንቀቕታ ክፍሊታት

  • 1. መጠንቀቕታ                      CHF 5
  • 2. መጠንቀቕታ                     CHF 10
  • 3. መጠንቀቕታ                      CHF 25

 

ተቛማት፡

ናይ ጸወታ~ጉጅለታት፣ መትሐዚ~ሕጻናት፣ መእለዪ~ሕጻናት፣ ስንኩላን ኾምኡውን አረጋውያን ከም እኩባት ተጠቀምቲ ኾይኖም ኽምዝገቡ ይኽእሉ’ዮም ኾምኡውን ዝኸፍሉዎ ናይ ምጥቃም ክፍሊት የለን (እዚ ንቤትምህርታት’ን መዋእለ~ሕጻናት’ን ጥራይ ኢዩ)። ተገዳስነት እንተድአ ሃሊዩኩም፣ አብ’ቲ ቤተንባብኩም ተመዝገቡ።

 

ናይ ዓሚል ምዝገባ ከም ሂያብ ምሃብ

ናይ PBZ ናይ ዓሚል ምዝገባ እቲ ዝበለጸ ሂያብ’ዩ። ኩፖን ናይ CHF 60፣ 80፣ ’ን ናይ 16 አብ ዝኾነ PBZ~ቤተንባብ ኽርከብ ይኽእል’ዩ። ንሕጋዊ ምኽንያታት፣ ተቐበልቲ ባዕሎም ኽምዝገቡ አለዎም።