Tigrinya/ትግርኛ

እተን 14 ቤተ-ንባባት ፐስታሎሲ ስዩሪሽ (PBZ) ንዝተፈላለየ ድልየታት ዘማልኣ ምቹኣት ቀረብ ክፍልታት ኣለወን። ቀረብና ከም ካልይዶስኮፕ እዩ፣ ልዕሊ ፍርቂ ሚልዮን ዝተፈላለዩ ናይ ለቓሕ ሜድያታት፣ ንምጽዓን ወይ ኣብኡ ንምጥቃም፣ ዓመታዊ ኣስታት 600 ዓበይትን ንኣሽቱን ፍጻመታት።

ብኸምኡ ናይ ሓያሎ ሰባት ልብን ኣእምሮን ኣብ ስዩሪሽ ንትንክፍ፣ ከምኡ እውን ካልኦት ባህልታት፣ ናይ ምንባብ ክእለት ንደፋፍእን ኣብ ናይ ጽሑፍ ቃላት ዘሎ ሓጎስ ነለዓዕል።

ዕድሜኦም ዝኣኸል ንኹሉ ቀረባት ብ 40፣ 70 ወይ 95 ፍራንክ ኣብ ዓመት ይጥቀሙሉ፣ ቆሉዑ ክሳብ 16 ዓመት ዝዕድሜኦም ኮታ ብነጻ። ዲጂታል ተንቡቡዶ? ነታ ናትና ኦንላየ-ካርድ (Onleihe-Karte) ብ 30 ፍራንክ ኣብ ዓመት ተጠቐሙ።
www.pbz.ch/abonnemente

ናይ ቆሉዑ ሕያወታት ኣስተማቕሩ፣ ናይ ንባብ ርክባት፣ ምርኢታት፣ ናይ መጻሕፍቲ ሓበሬታታት፣ ንባባት፣ ዮጋ፣ ዎርክሾፓት፣ ሙዚቃዊ መዘናግዒን ብዙሕ ከምኡ ዝኣመሰለን። መብዛሕትኡ ምርኢታት ብነጻ እዩ (Kollekte)።

www.pbz.ch/events

ኣብ‘ተን 14 ቤተ ንባባት ፐስታሎሲ ስዩሪሽ (PBZ) ክትምዝገቡ ትኽእሉ።

ወይ ድማ ኣብ ገዛ ኮይንኩም ኣብ  www.pbz.ch/mitglied-werden ብምእታው ብምቹእ መንገዲ ክፍሊት ብክሬዲት ካርድ ክትከፍሉ ትኽእሉ። ከብኡ ንደሓር ሽዑ ንሽዑ ዲጂታል ቀረባት ክትጥቀሙሎም ትኽእሉ (ብዘይካ እተን ንኣሽቶ ዓመታዊ ካርድ).

ናይ ቤተ-ንባብ ካርድ ብምሓዝ፣ ብወፈያ ወይ ኣብ ናይ ሓገዝ ማሕበርና ናይ ቤተ ንባብ ፐስታሎሲ ስዩሪሽ (PBZ)

ኣባል ብምዃን ንምዕቃብን ምምዕባልን ህዝባውያን ቤተ-ንባባት ፐስታሎሲ ስዩሪሽ (PBZ) ኣገዳሲ ኣስተዋጽኦ ኣብ ስዩሪሽ ትገብሩ። ሳላ እዚ ደገፍ ዝተፈላለዩ ፕሮጀክትታት ክዉን ይኾኑ። ንወፈያ መንገድታትን ንሓበሬታ ብዛዕባ ናይ ሓገዝ ማሕበርን  ብዝምልከት ኣብ ኢንተርነት ገጽና www.pbz.ch/spenden ብምእታው ኣብ www.pbz.ch/foerderverein ትረኽቡ።

ተወሳኺ ሓበሬታ ብዛዕባ ሓፈሻዊ ቀረብና ኣብ www.pbz.ch ወይ ኣብ ዝኾነ ቤተ-ንባብ ፐስታሎሲ ስዩሪሽ (PBZ) ዝርከብ ብሮሹር «Die PBZ kurz erklärt» ወይ ኣብ www.pbz.ch/mitglied-werden ትረኽቡ።

ግዜ ገደብ ለቓሕ

ግዜ ገደብ ለቓሕምንዋሕ
ዝውሰድ2 ሳምንትታትኣይከኣልን

ምንዋሕ

ምንዋሕ ኣብ ቤተ-ንባብ፣ ብቴሌፎን ወይ ቦንላይን ኣብ www.pbz.ch ይከኣል እዩ - ብጶስጣ ኣይከኣልን.

ካታሎግ

ብምቹኡ ኣገባብ ኣብ ገዛ ኮይንኩም ኩሉ ትሕዝቶ ናይ ቤተ-ንባብ ፐስታሎሲ ስዩሪሽ (PBZ) ገናጽልዎን ኣድላይ ምስ ዝኸውን ድማ ሕዝኡ። ካታሎግ ኣብ www.pbz.ch/katalog ወይ ኣብ ኣፕ ናይ ቤተ-ንባብ ፐስታሎሲ ስዩሪሽ (PBZ) ትረኽብዎ።

ዓመታዊ ውዕልን ዋጋታትን

ቁጽሪ ቁስ ኣብ ሓደ እዋንቁጽሪ ኤክትሮኒካዊ ሜድያ ኣብ ሓደ እዋንዋጋ
ቆልዑ/ መንእሰያት ክሳብ
16
258ነጻ
ዓመታዊ ካርድ ፕሉስ502995 ፍራንክ
ዓመታዊ ካርድ252970 ፍራንክ
ንካይ ዋጋ ዓመታዊ ካርድ252940 ፍራንክ
ንእሽቶ ዓመታዊ ካርድ22950 ፍራንክ
ኦንላየ ካርድ (Onleihekarte)/2940 ፍራንክ
ወርሓዊ ካርድ5/15 ፍራንክ
ንጽል ለቓሕ5/5 ፍራንክ ንቁስ